ፅንብል 1ይ ዓመት መፅናዕቲ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ተኸቢሩ
ከይዲ ትግበራ መፅናዕቲ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ንምግምጋምን ብመሰረት እዚ ዝተረኸቡ ፅቡቓት ተመኩሮታት ንምዕቃብን ዕላማ ዝገበረ ዋዕላ ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ከተማ ሰመማ ብ21 መዓልቲ ወርሒ ጥሪ 2002 ዓ.ም. ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡Read More
ክልቲኡ ዝራኸብ ኣይኮነን
መንግስቲ ዝሓንፀፆም መደባት ልምዓት፣ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ዲሞክራስን ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እናተግበረ ፀኒሑ ሐዚውን ኣብ ምትግባር ይርከብ፡፡ Read More
መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ክስተት ሓደ እዋን ኣይኮነ
ኣብ ምርግጋፅ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ኩሉ ግቡእን ሓላፍነትን ኣለዎ ሚዛኑ ብዘየግደስ፡፡ መንግስቲ ንሕብረተሰብ ዝህቦም ግልጋሎታት ፍትሓውን ቅልጡፋትን ክኾነ ብእምነት ወሲኑ እዩ ኣትዩ፡፡ Read More
ኣሳልጦ ስራሕ ወረዳታት
ድሕሪ ምሉእ ትግበራ መፅናዕቲ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ምትእስሳሩ ንምርኣይ ዝተፈላለዩስጉምትታት እናተወሰዱ እዮም፡፡ መንግስቲ ዘቐመጦ መስርሕ ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣብ ሽትኡ ክበፅሕ ዘይተ ሓለለ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ፡፡ Read More
ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅ ልምዓት ወሳኒ እዩ
ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክነፃፀሉ ዘይኽእሉ ክልተ ወሰንቲ ጉዳያት ድልየት ማሕበረሰብ እዮም፡፡ ማሕበረሰብ ቀንዲ ባህጉ ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳርን ምርግጋፅ ልምዓትን እዩ፡፡Read More
ዝንባለ ሰራሕተኛታት መንግሰቲ ምስቲ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ?
መንግስቲ እቲ ቀንዲ ፀገምን ሕፅረትን ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣለልዩ፣ ክሰርሖ ዝግባእ ኣነፀሩ፣ ቅደም ስዓብ ሰሪዑ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡ ኮይኑ ግና መንግስቲ …. Read More
ገምጋም ህልው ኩነታት ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ክልል ትግራይ፡፡
ኣብ 2001 ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ክልወጣ ብምግባር፣ ኣጠቓላሊ መሓውራዊ ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእል ምችው ኩነታት ብምፍጣር ኣፈፃፅማ ስራሕ ክመሓየሽ ምግባር ዝብል ቁልፊ መደብ ሒዙ ብዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እቲ መደብ ዕውት ብዝኾነ ኣግባብ ዛዚሙ ናብ ዝተማልአ ሙሉእ ለዉጢ ዘሰጋግር ምችዉ ባይታ ዝተነፀፈ ምዃኑ ብጋህዲ ክረአ ገይሩ’ዩ፡፡… Read More
ብምኽንያት መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ቁፃርን ዝውውርን ኣይተኸልከለን፡፡
ካብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመት ጀሚሩ ብምኽንያት እቲ ዝተኻየደ ሓድሽ መፅናዕቲ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ (Business Process Re-engineering, BPR) ኣብ ኣመዳድባ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ ከይኽሰት ብዝብል ስግኣት ቁፃርን ዝውውርን ከይካየድ ዝብል መም ርሒ ናብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ተመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር፡፡ … Read More
| |
|
ሰራሕተኛታት ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዶም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ሰራሕተኛታት ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ክልል ገምጋም ዓመታዊ ስራሕ ኣብ ኣዳራሽ ክልላዊ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ንሓደ መዓልቲ ብዕምቆት ኣካይዶም፡፡ … Read More
|
| |
|
ንዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ኮምፕዩተር መሰረት ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ፡፡
ካብ ዝሓለፈ 23 መዓልቲ ወርሒ ሓምለ 2001 ዓ.ም. ጀሚሩ እስካብ 12 መዓልቲ ነሓሰ 2001 ዓ.ም. ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ቴክኖለጅን ሓበሬታን ርክብን ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ክልል ትግራይ ክወሃብ ዝቐነየ ስልጠና ብፅቡቕ ተዛዚሙ፡፡ … Read More
|
| |
|
ገምጋም ዓመታዊ ፀብፃብ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ብፅቡቕ ተዛዚሙ፡፡
ካብ ዝሓለፈ 23 መዓልቲ ወርሒ ሓምለ 2001 ዓ.ም. ጀሚሩ ንሓመሽተ መዓልቲታት ዝፀንሐ ኣብ ሓፈሻዊ መደባት ዝሓለፈ ባጀት ዓመት መሰረት ዝገበረ ስልጠና ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ከተማ መቐለ እናተውሃበ ቀንዩ፡፡ … Read More
|
| |
|
መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ብምትእትታዉ ዝሓሸ ውፅኢት ዘመዝገባ ኣብያተ ዕዮ ሽልማት ወሲደን፡፡
ብደረጃ ክልልና ክልል ትግራይ ድሕሪ ፈተነ ትግበራ መፅናዕቲ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ናብምሉእ ኢድ ትግበራ ካብ ወርሒ ጥሪ 2001 ዓ.ም. ጀመሩ ዝተኣታተወ ስራሕ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘርአየ ተሓቢሩ፡፡… Read More
|
| |
|
ሓፈሻዊ ምስሊ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ
ቢሮ ህንፀት
ዓቕሚ ኣብ ክልልና
ዓቕሚ ምፍፃም ክዓቢ
ዘተሓባብርን ብፃዕቒ
ዝሰርሕን ቢሮ እዩ፡፡
ቀንዲ መደብ ክልልና
ምዕባይ ዓቕሚ ምፍፃም
ብምዃኑ፣ ነዚ መደብ
ዘተሓባብርን ዝመርሕን
እዚ ቢሮ እዩ፡፡
… Read
More |
|