|
|
|
|
|
ሃርበኛታት ልምዓት ሽልማት
ተዋሂቡዎም!
ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2000 ዓ.ም. ሃርበኛታት ልምዓት ተባሂሎም ዝተሓረዩ ወገናት ሽልማት ተዋሂቦም፡፡ እዞም ዝተሓረዩ ሃርበኛታት ልምዓት ሽልማት ዝተበርከተሎም ምስ በዓል ሚለንየም ኢትዮጵያ ተዋዲዱ ብድምቀት ኣብዝኽበረሉ በዓል ለካቲት 11 ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ እዩ፡፡ እቶም ሃርበኛታት ካብ ሕድሕድ ኣብያተ ፅሕፈት/ቤት ዕዮ ዝተሓረዩ እንትኾኑ መምዘኒ ረቋሒ ዝምልከት ኣብ ሰራሕ ዘርኣዩዎ ንጥፈትን ውፅኢታውነትን መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ዝርዝር መመልመሊ ረቛሒ መበገሲ እተገብረ በግልፂ ተቐሚጡ እዩ፡፡ ካብ ሕድ ሕድ ቢሮ ክልልና ካብ 1ይ እስካብ 3ይ ዝወፁ ሰራሕተኛታት ብደረጀኦም ሽልማት ዝረኽቡ ኮይኑ ኣብቲ በዓል ዝተሸለሙ ግና እቶም ቀዳማይ ዝወፁ ሰራሕተኛታት ካብተን 10 ቢሮታት እዮም፡፡ እዚ ሽልማት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ምትብባዕን ውፅኢታዊ ኣብ ምዃንን ዝህልዎ እጃም ዝዓዘዘ ከምዝኾንን ካልኦት ናብ’ዚ ብርኪ እዚ ክበፅሑ ናህሪ ከምዝፈጠረን ተሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ድኽነት ንምብታኽ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣብ ሽትኡ ክበፅሕ ሰራሕተኛ ውፅኢታዊ ስራሕ ክትግብር እንተኺኢሉ ጥራሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ዝተቐመጠ መበገሲ ረቋሒታት
- ኣብ ክልልና ይመፅእ ኣብ ዘሎ ልምዓታዊ ለውጢ በብ ስራሕ መዳዩ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበረከተ
- ኣብ ምርግጋፅ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮ ቢሮ/ውልቀ ሰራሕተኛ
- ስርዓት ንምፍጣር ዝተፈፀሙ ዝዕቀኑ መደባት
- ስራሕተኛታቱ ወዲቡ ኣንቀሳቒሱ መደባት ንምፍፃም ዝተሰርሑ ተግባራት ብመስርሕ መዐቀኒ ውፅኢት ተኮር ንተኸታታሊ 3 ጊዜ ልዑልን ካብኡ ንላዕሊን ውፅኢት ዝረኸቡ ሰራሕተኛታት
- ፕሮግራማት ምምሕያሽ ስቪል ሰርቨስ ንዝሓለፉ 2-3 ዓመታት ብኣግባቡ ኣብ ቢሮኡ ተግባራዊ ዝገበረ
- ክትትል ድጋፍን ቁፅፅርን ኣብ ምግባር ዝሓሸ ስራሕቲ ዝፈፀመ ዝብል ይርከቦም፡፡ በመሰረት እቲ መዐቀኒ ሽልማት ዝረኸቡ ወገናት ዝርዝሮም ቀሪቡ ኣሎ፡፡ እቶም ካለኦት ተሸለምቲ ስእሎም ክንረክብ ግዘ ስለዝወሰደልና ምስ መፅሓና ክነስዕብ ኢና፡፡
|
|
|
|
|
|