TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

ንምምሕያሽ ለውጢ ስራሕ ስልጠና ተዋሂቡ

ንዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ኣመልኪቱ ስልጠና ተዋሂቡ፡፡ እቲ ስልጠና ዝተኸታተሉ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት ኣብክልል ዝርከቡ ክኢላታት ኢንፎርመሽን ቴክኖለጂ (ICT)፣ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ልምዓት ከተማ ዝርከቡ፣ መንገዲ ገፀር፣ ‘ ሃውሲንግ አጀንሲ’ ፣ ትልሚ ከተማ፣ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ይርከቡዎም፡፡ ኣብቲ ስልጠና ዝተሳተፉ ኣካላት በዝሖም ከባቢ 50 እንትኾኑ ካብ ዕለት 6-7 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ክልል ምምሕዳር ዝተኸየደ ኣኼባ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኸታተሉ እዮ፡፡ እቶም ሰልጠንቲ ኣብ መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ እኹል ግንዛበ ክህልዎም እቲ መሰልጠኒ ማንዋል ዝተኸለሰን ብቐሊሉ ክግንዘብዎን ብዘኽእል ኮይኑ ዝተዳለወ ከምዝኾነን እኹል ፍልጠት ከምዝጨበጡን ሓቢሮም እዮም፡፡

ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሰራሕተኛታት ፍትሒ በዝሖም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ወገናት ኣብ ኣዳራሽ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትገራይ ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ሎሚ ዕለት 8-ሚያዝያ 2000 ዓ.ም. ስልጠና ይወስዱ ኣለዉ፡፡ እቶም ሰልጠንቲ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ፣ ዓቃብያነ ሕግን ፍትሕን ዝተዉፃፅኡ እዮም፡፡

መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ ቀንዲ ዕማም እዚ ክልልን ብፃዕቒ ዝስርሓሉ ዘሎን ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ ብምዃኑ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ብርክት ዝበሉ ስልጠናታት ንዝተፈላለዩ ኣካላት እናተውሃበ ከምዝፀንሐን ብርክት ዝበላ ኣብያተ ፅሕፈት ናብ ተግባር ከምዝኣተዋን ይዝከር፡፡  ኣብ ቀፃሊ’ውን ምስ ስራሕቲ እዚ ለውጢ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብግፍሓትን ብፅፈትን ክትግበሩ መደብ ዝተትሓዘሎም ስራሕቲ እዮም፡፡