TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

ንሰራሕተኛታት ሰናይ ምምሕዳር ስልጠና ተዋሂቡ

ኣብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ኣብ ጉጅለ ክትትልን ደገፍን ሰናይ ምምሕዳር ንዝተመደቡ ሰራሕተኛታት ካብ ዕለት ጉንቦት ሓሙሽተ 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ኣብ ኣዳራሽ ክልል ምምሕዳር ተዋሂቡ፡፡ እቶም ሰልጠንቲ ሓደሽቲ ዝተቖፀሩ ሰራሕተኛታት ኮይኖም በዝሖም ልዕሊ 100 ዝኾኑ እዮም፡፡

እቲ ስልጠና ብዕሊ ንሰልጠንቲ ምኽርን መብርህን ብምሃብ ዝኸፈትዎ ሓለፊ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ኣይተ ኪሮስ ቢተው እዮም፡፡ ኣይተ ኪሮስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ሓፈሻዊ ኩነታት ሰናይ ምምሕዳር ኣመልኪቶም ገፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃቦም እዞም ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት ሐዚ ተመዲቦም ዘለዉ ብኽመይን እንታይ ክሰርሑ ከምዝግበኦም መብርሂ ሂቦሞም እዮም፡፡ መንግስቲ እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ክዓስል እንትደሊ ዝተቐመጡ ሽቶታት ልምዓት ኣብ ዝሓፀረን ብዝፀፈፈን ኣብ ሽትኦም ክበፅሑ ድልየትን ሃንቀውታን ስለዘለዎ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡ ሰናይ ምምሕዳር ብዝተወሰነ ዘፈር ስራሕን ክፋል ሕብረተሰብን ጥራሕ ዝረጋገፅ ስለዘይኮነ እጃም ኩሉ ሕብረተሰብ ብምዃኑ ኩላህና ብውነ ክንሳተፍን ግቡእና ክንትግብርን ግድን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ዝተሓሰበ ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ እቶም ምስ ፓከጃት ሰናይ ምምሕዳር ተታሒዞም ዘለው  ብምሉእነት ተግባራ እንትኾኑ ምዃኑ ክሰሓት ዘይብሉን ቆላሕታ ዝደልን ምዃኑ ኣስሚሮምሉ፡፡ ሓንቲ ካብተን ተግባራት ሰናይ ምምሕዳር ሕብረተሰብ ዝኣከቦ ንብረት ኣብ ልምዓት ምውዓሉ ክረጋገፅን ውፅኢቱ ክምዘንን ብዘይቅብሊት ዋላ ሓንቲ ክፍሊት ከይፍፀም ዝብል እዩ፡፡ እዚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኩላህና ብእምነት ምንቅስቓስ ከምዝጠልብ ገሊፆም፡፡

እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ፓኬጃት ሰናይ ምምሕዳር፣ኣብ መስርሕ ጉጅለ ክትትልን ገምጋምን፣ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ምድላው ትልምን ዝምልከት ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ኣወዳድባ እቲ ቢሮን ስትራተጂያዊ ትልምን ዝጠመተ ስልጠና ወሲዶም፡፡