ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡
ንኹሎም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ክልልና መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ዘካይዱ ዘለዉ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ሚኒስተር ህንዐት ዓቕሚ ብዝመፁ ሰብ ሞያታት ካብ 21 መዓልቲ ጉንቦት 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ስልጠና ልዕሊ 300 ሓለፍቲ ቢሮን ኣብ ከይዲ ስራሕ ዘለዉ መራሕትን ተሳቲፎም አለዉ፡፡
እቲ ስልጠና ኣብ ቀንዲ ስራሕቲ ወይ ፍፃመ ስራሕ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ኣብያተ ዕዮ ዘተኮረ ኮይኑ ስራሕተን ኣብ ምግምጋም ዝተደረኸ ብምዃኑ ዳግም ኣፅፊፈን ክሰርሓን እተን ዘይበፅሐኦ ድማ እቲ ትኽክል መንገዲ ሒዘን ክጎዓዛን ዝጠቅም እዩ፡፡ ሐዚ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ኣብ 3ይ ብርኪ መሰረታዊ ለውጢ ከትዲ ስራሕ ንዝበፅሓ ኣብያተ ዕዮ ስለዝኾነ ንዕዉትነት እቲ ስራሕ ወሳኒ ስልጠና ከምዝኾነ እዩ፡፡ እዚ ከም መገምገሚ መስርሕን ኣጋጣምን ተባሂሉ አዩ ዝሕሰብ፡፡
መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ኣብ ክልልና ቅድም ኢሉ ከምዝጀመረን ዝበዝሓ ኣብ’ዚ ብርኪ ከምዝበፅሓን ይፍለጥ፡፡ ኣብ ቀፃሊ መጨረሻ ወርሒ ሰነ ናብ ተግባር ክእቶ እዩ ተባሂሉ ይግመት፡፡