TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

ንኣባላት ቤት ምኽሪ ስልጠና ተዋሂቡ

ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ንሓደ መዓልቲ ስልጠ ተዋሂቡ፡፡ ኣብ መበል 8ይ ጉባኤ3ይ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ ዝምልከት ስልጠና ዝተዉሃበ ብቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ተሰናዲኡ ዝተውሃበ እዩ፡፡ ዕላመ እተ ስልጠና እዞም ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልና ከም መጠን ወሰንቲ ኣካላት እተ ክልል እቲ ከይዲ ምንቅስቓስ ክፈልጡን ከይዲ ስሩዕ ስርሖም’ዉን እኹል ግንዛበ ሒዞም ብዝግባእ ኣብ ተግባር ከውፅልዎ ዝዓለመ እዩ፡፡

 

ንኣባላት ቤት ምኽሪ ስልጠና እንትወሃብ

 

 

መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ ዝምልከት ኣብ ክልና ቅድም ኢሉ ከምዝተጀመረን መብዛሕትአን ኣብያተ ዕዮ ክልልና ኣብዚ ስራሕ’ዚ ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋን ይዝከር፡፡ መፅናዕቲ መሰረታዊ ለዉጢ ስራሕ ዘካይዳ ዘለዋ ኣብያተ ዐዮ ክልልና ዳርጋ ልዕሊ ዓሰርተ እንትኾና ከይዲ ስጓመአን ድማ ልዕሊ 2ይ ብርኪ በፂሐን ከምዘለዋ እዩ፡፡ ገለገሊአን ኣብ ብርኪ ሰለስተ በፂሐን ኣለዋ፡፡ መፅናዕቲ ወዲአን ናብ ትግበራ ዝኣትዋ እቲ ራብዓይ ብርኪ ምስዛዘማ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

 

 

ኣባላት ስልጠና እንትወስዱ

 

 

እዚ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ’ዉን እዚ ስራሕ ክሰርሕ ዝግበኦን ክሰርሕ ኣብ ምድላው ዝርከብን እዩ፡፡ መፅናዕቲ መሰረታዊ ከይዲ ስራሕ ቀንዲ ስራሕ እዚ ክልል ብምዃኑ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ሓላፍነት ወሲዱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝትግበሩ ምንቅስቓሳት እናሰርሐን እናተሓባበረን ይርከብ፡፡ ንተን መፅናዕቲ ዘካይዳ ዘለዋ ኣብያተ ዕዮ ካብ ኣብያተ ዕዮ ፌደራል ይኹን ካብ ካሊእ ንተመኩሮ ዝኸውን ፅሑፋትን ናውትን ብምምፃእ፣ ስልጠናታት ብምሃብን ክወሃበ ብምግባርን ክንዲ ዝተኽኣለ እናፀዓረ ይርከብ፡፡ እዚ ስልጠና እዚ’ዉን ሓደ ከብቶም ዕማማት እዚ ቢሮ እዩ፡፡

ኣብዚ ስልጠና ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ዝተልዓሉ እንትኾን ብዝምልከቶም ኣካላት መብርህን ምልስን ተዋሂቡዎም እዩ፡፡

ካብቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ብኽፋል፣

  • ገባራይን ሓዳጋይን ዶ ኣየንግስን?
  • ኣብ መንጎ መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕን ውፅኢት ተኮርን ኣፈላላዮም ኣይረአን እሞ ተተኪኡ ድዩ ዝኸድ ዘሎስ ተዋዲዱ?
  • መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ ዘተኣታተዋ እንተ ሃልየን ተመኩሮ እንታይ ይመስል?
  • ንኽልተ ሰባት ዘሕድር ስራሕ ብሓደ ሰብ ይትካእ ኣሎ እዚ ምፍንቓል ዶ አይኮነን?
  • ንምንታይ ኢና ኣብ ተብተብ ኮይና ንሪኦ ዘለና?
እዚ ፍትሒ ኣብ ሓደ ዝዕኹልል እዩ ፀገምዶ ኣይፈጥርን? ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም ዓሚቕ መብርህን መልስን ተዋሂቡሉ እቲ አኼበተኛ ፅቡቕ ግንዘበ ክሕዝ ክኢሉ እዩ፡፡ ኣብ መጨረስታ ንኣሰራርሓ መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ ዝሕግዝ ኣዋጅ ብዘይ ሸዉዓተ ድምፂ ተኣቅቦ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡