TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

ኣብ መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን ግንዛበ መጨበጢ ዓውደ መፅናዕቲ ተኻይዱ

ግንዛበ መጨበጢ መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሐ ብተበግሶ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣብያተ ዕዮ እንትኾኑ 90 ወገናት ተኸታቲሎም፡፡ ኣብዚ ካብ 27-28 ሰነ 2000 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ 29 መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ፣ ካብ ሸውዓተ ኮለጃትን ዩኒቨርስትን፣ ካብ ሰለስተ ማሕበራት፣ ካብ ኣርባዕተ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ካብ ካልኦት ሸውዓተ ትካላትን ልዕሊ 120 ተሳተፍቲ ትፅቢት እንትግበር ዝተረኸቡ ግና 90 ወገናት እዮም፡፡ ኣብዚ ኣኼበ ፅቡቕ ዘተ ዝተኻየደሉን ኣብ ጠቕላላ ምንቅስቓስ መምርሒ መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን ቢሮ ህንፀት ዓቕምን መእከል መፈልፈሊ መርበብ ሓበሬታን ገፊሕ ገለፃ ዝተኻየደሉ ነይሩ፡፡ ቅድሚ ሐዚ እውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘተኮሩ  ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ከምዝተውሃው ይፍለጥ፡፡

ዕላማ እዚ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ደረጃ መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን ንምንፅፃርን ኣብ ክልልና ቀንዲ ፀቕጢ ዝፈጥሩ ዋኒናት ፈሊኻ ንምውፃእን፣ ከምኡ’ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን ዝተጀመሩ ማእኸላት መፈልፈሊ ዕላማን ራእይን ብግቡእ ንምፍታሽን ሓቢርካ ዝስርሓሉ ኣጋጣሚ ንምንፃርን፣ከምኡ’ውን ኣብ ክልል መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣብ ምስላጥ መርበብ ሓበሬታነ ቴክኖለጅን ዕዙዝ ስራሕ ክሰርሑ ዝዓለመ ዓውደ መፅናዕቲ ነይሩ፡፡

 እዚ ዓውደ መፅናዕቲ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብ መጨረሽታ ፅቡቕ ግንዛበ ዝተረኸበሉን ብቐፃልነት ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ክፍጠርን ኩነታት መርበብ ሓበሬታን ቴክኖለጅን ክልልና ብግልፂ እንፈልጠሉ ዕድል ክርከብ ቆላሕታ ክግበረሉ ርኢቶ ኣሕሊፉ ኣኼባ ተዛዚሙ፡፡