TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

ስራሕቲ ፕሮግራም ምህንድስና ብፅቡቕ ይሳለጥ ከምዘሎ ተሓቢሩ፡

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝሳተፍሉ ስራሕቲ ፕሮግራም ምዕባይ ዓቕሚ ምህንድስና ብፅቡቕ ኩነት ይትግበር ከምዘሎ መተሓባበሪ እቲ ፕሮግራም ዝኾኑ ኣይተ ሃይለኪሮስ ጠዓመ ገሊፆም፡፡ እቲ ፕሮግራም ካብ ዩኒቨርስቲ ካብ ቴክኒክን ሞያን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ዝሳተፍሉ ኮይኑ ናብ ሃገርና ሓደሽቲ ስራሕቲ ምህንድስና ብምትእትታው ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተግበረ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ስራሕቲ መንገዲ ሓዱሽ ቴክኖለጂ ካብ ከባቢ ናውቲ ብምጥቃም ዝስራሕ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ክንዲ ቅጥራን ምጥቃም እምኒ እቲ ከባቢ ፀሪብካ መንገዲታት ምስራሕ ኣብ ከባቢና ብፈላይ ኢሉ’ውን ብደረጃ ሃገር ዝተኣታቶ ዘሎ ሓድሽ ስራሕ ውፅኢታዊ እናኾነ እዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ መቐለ ብፍላይ ኣብቲ ነባር ከተማ እዚ ስራሕ እዚ ብግፍሓት ይካየድ ኣሎ፡፡ ቀበሌታት 15ን 16ን በዚ ስራሕ እዚ ተጠቀምቲ ዝኾና ከባቢታት እየን፡፡ እዚ ሓድሽ ስራሕ ንምስልጣን ክልተ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ከተማ መቐለ ስልጠና እናሃቡ ከምዝኾኑን ብዘሑት ወገናት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑን ተገሊፁ፡፡ እዚ ፕሮግራም ቅድም ኢሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተግበረ ይፍለጥ፡፡