TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ኣብ ብርኪ ትግበራ በፂሑ፡፡

ሓምለ 12ን 13ን መዓልቲ 2000 ዓ.ም. ገምጋም መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ ክልልና ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ፡፡ መብዛሕትአን ኣብያተ ዕዮ ክልልና ዝተፈላለዩ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ መሪፀን ኣብ ምትግባር ሓግየን ብዙሓት ናብ ገምጋም ቀሪበን ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ከይዲታት ስራሕ እቲ ዝድለ መምዘኒ ኣማሊኦም ብቶም ገምገምቲ ስለዝተረጋገፁ ናብ ከይዲ ትግበራ ክበፅሑ ክኢሎም እዮም፡፡

ካብቶም ኣውራ ከይዲ ስራሕቶም ዘገምገሙ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ቢሮ ትምህርቲ፣ ቢሮ ንግድ፣ ኢንዱስትርን ትራንስፖርትን፣ ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን፣ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ቢሮ ሓበሬታ፣ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ልምዓት ከተማን፣ ቢሮ ሃፍቲ ማይን መኣድንን፣ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ቢሮ ሕርሻ፣ ዋና ቤት ፅሕፈት ኦዲት፣ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ኣብትሕቲ እዘን ዓበይቲ ኣብያተ ዕዮ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈትን እዮም፡፡

ካብዞም ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ከምዝተሰርሑን ዳርጋ ኩሎም ናብ ሳልሳይ ብርኪ ከምዝበፅሓን እተን ናብ ገምጋም ዝቐረባ ከይዲታት ስራሕ ልዕሊ ፍርቂ ናብ ትግበራ ከእትወን ዝኽእል ስራሕቲ ከምዝተግበራ እዩ፡፡ እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ስራሕ ካብ ኣተሓራርያ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ጀሚሩ ኣብ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ተግባር ከምዝተበፅሐ እዩ ተራእዩ፡፡

መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ተታሒዞም ዘለው መደባት መተግበርን ለውጢ ከምዝፅእ ዝኽእል ትኽክለኛ መንገድን ምዃኑ መማላኸቲ ምዃኑ ዝሓበረ እዩ፡፡ መንግስቲ ዝሓንፀፆም ፕሮግራማት ኮኑ ሽቶታት ዕዉታት ክኾኑ በዚ መንገዲ እዚ ጥራሕ ምዃኑ ኣፅንኦት ዝተውሃበሉ እዩ፡፡ ካብ ድኽነት ክንወፅእ ስራሐትና ብዝተዓፃፀፈ ኩነት እንትፍፀሙ ጥራሕ እዩ፡፡  

ቅድም ኢሉ እቲ ስራሕ ብፃዕቒ ክስራሕ ብዝተወሰነ መሰረት ማብዛሕቲኦም እቲ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ዝትግብሩ  ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ ንልዕሊ ሓደ ውርሒ ዝኣክል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ከይዶም እናሰርሑ ከምዝፀደዩ ይፍለጥ፡፡