TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   
 

ምንቅስቓስ ህንፀት ዓቕሚ ኣመልኪቱ ገምጋም ተኻይዱ

ካብ ዕለት 11-13- 7-2000  ዓ.ም ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ህንፀት ዓቕሚ ዝተረኸብሉ ኣብ ምንቅስቓስ መደባት ህንፀት ዓቕሚ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ ገምጋም ተኻይዱ፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ብምኽንያት ኣብ ክልል ዝትግበር ዘለዉ መደባት ዘቲካ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ንምብፃሕ ተፀዊዖም ኣብ ዝመፅእሉ ግዘ ፕሮግራም ተዋዲዱ ተታሒዙሉ ዝተተግበረ ገምጋም እዩ፡፡ ኣብ መጀመርታ መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ኣመልኪቱ ንኹሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተውሃበ እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ቀንዲ ዕማሙ ገይሩ ሒዙዎ ዘሎ መደብ ምዃኑ ብዝርዝርን ብዕምቆትን ቀሪቡ እዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብተን ወረዳታት ዝመፁ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበለ ሕቶኣቕሪቦም፡፡ ኣብ ገለገለ እቲ ኣኼባ ዝተኻየደለን ዝነበሩ ተሳተፍቲ ካብ ዝሓተቱዎ ም ሕቶታት ፣

  • መሰረታዊ ለውጢ ኣሰራርሓ ዝበሃል ዘሎ ፀገምና ድዩ?
  • ውፅኢት ተኮርን (BPR) ኣፈላለዩ እንታይ ምዃኑ?
  • BPR ሕሳቦታት ትኹረት ይገብርዶ?
  • መስተንክራዊ ለውጢ( Radical change) ብሃገርና ወድዓዊ ኩነት ይከኣልዶ?
  • ቅድሚ ሎሚ ምምሕያሽ ስቪል ሰርቪስ እናተብሃለ እዋናዊ ዋኒን ነይሩ ሕጂ ድማ  (BPR ) ይበሃል ኣሎ እንታይ ማላት እዩ ዝብሉን ካልኦት ተዛመድትን ሓቲቶም ዝርዝር መብርህን መልስን ተዋሂቡዎም እዩ፡፡

 ድሕሪ እዚ ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ዝተፈጠረ ምርድዳእ ናብ ዝርዝር ገምጋም መደባት እቲ ቢሮ ምስ መሓውራቱ እዩ ተኸይዱ፡፡ እቲ ዝተርኣዩ መደብ ፍፃመታት ክልተ ወርሒ ማለት ድሕሪ 30 ታሕሳስ እንትኾን ዝነበሩ መደባትን ዝተፈፀሙን ምስቲ ትልምና ኣብቲ ዘለናሉ እዋን ኮይና እንትን ርኢ ዝሐሸ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ተሓቢሩ እዩ፡፡ መጀመርታ ኣብ ዘይምእኹል ምምሕዳር ሒዝናዮም ምስ ዝነበርና መደባት ኣብምንታይ ኩነት ኣለና ዝብል ንምርኣይ እቶም ዝርዝር መደባት ቀሪቦም፡፡ ኣብ ዚ ጉዳይ ሕድሕድ ወረዳ ዘለዋ ምንቅስቓስ ብግልፂ ዝቐረበ ኮይኑ ገለገሊአን ብምኽንያት ፀገም ኣውት ሉክ እቲ ዝለኣኸኦ ክንበብ ብዘይምኽኣሉ ኩነታተን ዘይተፈልጣ ዝፀንሓ ከምዝነበራ ቀሪቡ፣ እቲ ጭቡጥ ኣብ ባይታ ዘሎ ባዕልተን ኣብ መድረኽ ከቕርበኦ ክኢለን እየን፡፡ድሕሪ ገምጋም ዘሎ ለዉጥን ኣበይ ከባቢ ዝሓሸ ከምዝኾነን ንምርኣይ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ሳንዱቕ መውሃቢ ሓሳብ ዘጣየሻን ዘየጣየሻን ወረዳታት፣ ሞዴል ገባር ዝመረፃን ዘይመረፃን፣ ብጭቡጥ ናብ ተግባር ዝኣተዋን ዘይኣተዋን ወረዳቷት ካብ ሕድሕድ ተሳታፊ ቀሪቡ ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ዘሎ ኩነታተ ህንፀት ዓቐሚ ብፍላይ ኣብቲ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ወረዳታትና እንታይ ከምዝመስላ፣ ሓደሽቲ ሞዴል ገባር ምፍራይ ብሉፅ ተመኩሮ ኣብምሕላፍ  ዝብሉ ሓሳባት ቀሪቦም፡፡ ብመሰረት እዚ ልዕሊ 27 ወረዳታት ትልሚ ኣውፂአን ንመካየድቲ ስራሕ ኦሬንተሽን ዝሃባ ከምዘለዋ፣ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ስልጠና ዝሃባ ከምዘለዋ ተራእዩ እዩ፡፡
ካሊእ ኣብ ምፍራይ ሞዴል ገባር ኣብ ኩለን ከምእተጀመረ እዩ ተራእዩ፡፡ ሓደ ገባር ሓሙሽተ ከፍሪ መደብ ተዋሂቡ ናብ 40 ሽሕ ክፈሪ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ ፡፡ ብሉፃት ተመኩሮ ኣብ ምሕላፍ መፂእኻ’ዉን ብርክት ዝበሉን ዝተፈላለዩን ብሉፃት ተመኩሮታት ከምእተወስዱ ተራእዩ፡፡ ምልውዋጥ ተመኩሮ  ምስ ሰናይ ምምሕዳር ዝተዛመደ ከም መርኣያ ዝኣክል ኣብ ራያዓዘቦ መረዳእታ ዳታ ጣብያ ተፈጢሩ ከምዘሎ፣ ምስ ጥዕና፣ ትምህርቲ ፀብፃብ ዝምልከት ናብ መመሓደሪ ይልኣኽ ከምዘሎ፣ ቅብሊት ዝምልከት ብቐጥታ ይቕበሉ ነይሮም ሐዚ ግና ስርዓት ሒዙ ክኸይድ ተገይሩ ከምዘሎ፡፡ ጥርዓን ዝምልከት ናብ ካቢኔ ክቐርብ ብምግባር ዝተወሰነ ውሳነ ብፅሑፍ ክወሃቦም እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ፡፡ኣብ ካልኦት ወረዳታት እውን ብዙሓት ተመኩሮታት ተራእዮም እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ፀለምቲ ናብ ማሕበራዊ ቤት ፈረዲ ዝመፅእ ሰብ ብቑፅሪ ከምዝተኣናገድ ፣ ሓሙሽተ ሰባት ካብ ጎጥ ጀሚሩ ሰላም ዘንግሱ ከምእተመርፁ፣ ኣርባዕቲአን መሓዉር ተዋዲደን ስልጠና ከምእተውሃበ፡፡
ኣብ ካልኦተን እውን ናብ ጣብያ ኣማሊእዎ ክመፅእ ዝግባእ ምንፃር፣ ከም ሞዴል ኮይንካ ምንቅስቓስ ምጅማር፣ መረረት ንምትራፍ ዝገቧር ፃዕሪ፣ ምድላው መጠቕዒ ምልክታት፣ ግዝኢት ብጨረታ ክፍፀም ምግባርን ካልኦት ብዙሓት ጠቐምቲ ነገራት ተራእዮም እዮ፡፡

እዚኮይኑግናምሉእዘይኮነስራሕቲንድኽመትዘቃልዑከይዲታትእውንተራዮምእዮም፡፡ንኣብነትኩላህትካቤትፅሕፈትዓፂኻምኻድ፣ኣብኣመራርፃሞዴልሓንቲጫፍምርኣይ፣ሓበርቲፅሓፋትብግቡእዘይምጥቃም፣ኩሉዓይነትስራሕክስራሕምድላይ፣ኣብፕሮግራምምምሕያሽስቪልሰርቪስምንጥብጣባትምህላውዝብሉቀሪቦምእዮም፡፡