TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

ኣብ ስርሖም ኮይኖም ንዘይካትዑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ኣከፋፍላ መሃያ
ዝወፀ መምርሒ

ኣብ ክልልና ንዘለዉ  ሰራሕተኛታት መንግስቲ መስርሕ ዝኾነ ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ቑፅሪ 66/95 ፣ ደንቢ ስነ-ስርዓት ኣፈፃፅማ ዲስፕሊንን ኣቀራርባ ቅሬታን ቑፅሪ 21/96 ካልኦት መምርሕታት ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ኮይኑ ግና ቅድም ክብል ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ምስ ዝሰርሐሉ ቤት ዕዮ ብዘለዎ ናይ ቑፃር፣ዝውውር፣ ዕብየት፣ ካልኦት ካብ ስራሕ ዘየሰናብቱ ዲስፕሊን ቅፅዓታት ምክንያት ብጥርዓን ይኹን ብይግበአኒ ኣብ ስርሑ ኮይኑ ንዘይካታዕ ሰራሕተኛ ዘይሰርሐሉ መሃያ ክፍሊት ይፍፀም ምንባሩ ተረዲእና ኣለና፡፡ በዚ መሰረት ሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ እቲ ኣዋጅ ካብ  ዝድንግጎ ወፃኢ ካብ ስራሕ ተፈልዩ ዝነበረሉ መሃያ ክፍሊት ምፍፃም ኣግባብነት ስለዘይብሉን ብመሰረቱ'ውን መሃያ ዝኽፈል ንዝተሰርሐ ስራሕ ብምዃኑ ቅድም ክብል ዝትኸደ ኣካይዳ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓን ገንዘብን ብዘይ ኣግባብ ንክባኽን ዝገብር ስለዝኾነ ልዕል ኢሎም ብዝተጠቐሱ ምክንያታት ኣብ ስርሑ ኮይኑ ንዘይካታዕ ሰራሕተኛ ብዛዕባ መሃያ ክፍሊት ከመይ ክግበር ከምዘለዎ መምርሒ ክመሓላለፍ ሕቶታት ስለዝቐረቡልና በዞም ቀፂሎም ዝተገለፁ መምርሕታት መሰረት ክትግበር ንገልፅ፡፡

  1. ዝኾነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብመሰረት ደንቢ ስነ-ስርዓት ኣፈፃፅማ ዲስፕሊንን ኣቀራርባ ቅሬታን ሰራሕተኛ መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሰቲ ትግራይ ቁፅሪ 21/96 ዓንቀፅ 29(2) ዘለዉ ሕጋዊ መሰላተይ ጎዲሉኒ ወይ በደል በፂሑኒ ዝብል ቅሬታ እንተሃልዩዎ ቅሬታኡ ንክረአየሉ ናብ ቤት ዕዩኡ ይኹን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት እንትኸይድ ካብ ሓደ ሰራሕተኛ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ኣማሊኡን እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ምላሽ ክሳብ ዝረክብ እቲ ቤት ዕዮ ኣብ ዝመደቦ ስራሕ ወይ/ከምኡ'ውን ስራሕ ቦታ ኮይኑ ክካታዕ ኣለዎ፡፡
  1. ዝኾነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብመሰረት ናይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣዋጅ 66/95 ዓንቀፅ 68፡- 
    1. ንኣፈፃፅማ ስራሕ ጠቓሚ ኾይኑ እንተተረኺቡ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ሓደ ወርሒ ንዘይበልፅ ግዜ ካብ ስራሕን መሃያን ተኣጊዱ ክፀንሕ ይኽእል እዩ፡፡
    2. ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብገበን ወይ ብጥፍኣት ዲስፕሊን ብሕጊ ዝተኸሰሰ እንተኾይኑን እንተተመስኪርዎን እቲ ዘጥፍኦ ጥፍኣት ካብ ስራሕ ዘሰናብት ኾይኑ እንተተገሚቱ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ ክፀንሕ ኣለዎ ይብል፡፡

ካብዚ ወፃኢ ብዘለዎ ዲስፕሊናዊ ቅፅዓት ምክንያት ብጥርዓን ይኹን ብይግበአኒ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት እንትመፅእ ኣብ ስርሑ ኮይኑ ክካታዕ ኣለዎ፡፡

እዚ መምርሒ እዚ ኩለን ቢሮታት ኣባዚሐን ናብ ወረዳታት ንኽልእኾኦን ብእዋኑ ብግቡእ ንክትግብረኦን እንዳተሓሳሰብና ኣብ ላዕሊ ተራ ቁፅሪ ሓደን ክልተን ከምዝተገለፀ ሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ንነዊሕ ግዜ ካብቲ ሕጊ ዝደንጎየ ንላዕሊ ካብ ስራሕን መሃያን ምእጋድ ኣግባብ ስለዘይኾነ ቤት ዕዮታት ነዚ ንክፈልጣን ሰራሕተኛታት መንግሰቲ'ውን ዘይሰርሕሉ መሃያ ክኽፈሎም ትፅቢት ምግባር ንናይ መንግስቲ ኣሰራርሓን ገንዘብን ብዘይኣግባብ ክባኽን ምግባር ስለዝኾነ እዚ መምርሒ ካብ ዝወፀሉ ጊዜ ጀሚሩ ቢሮታት ይኹን ሰራሕተኛታት ነዚ ፈሊጥኹም በዚ ንክትምርሑ ነተሓሳስብ፡፡