TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ
 
ንኹሉኹም ሰራሕተኛታት ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ብፍላይ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብሓፈሻ ቅድሚ ኹሉ እንኳዕ ንመበል 17 ዓመት በዓል ዓወት ዕለት ጉንቦት 20  ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፃሐና፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዳዕነኑዎ ፀላእቱ ካብ ስር መሰረቶም ንምምሓው ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኮይኑ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ኣብ ዓወት በፂሑ፡፡ ምስ ገዛእቲ ደርቢታት ዝገበሮ ተጋድሎ ተዓዊቱ መበል 17 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ንምኽባር በቒዑ ኣሎ፡፡ ዝነበረ ኣርዑት ጭቆናን መግዛእትን ተቐቢሩ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ከስተማቕር ታተ ይብል ኣሎ፡፡ እቲ መሰረትን ቀንድን ፀላኢ ህዝቢ ዝኾነ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ በቲኹ ናብቲ ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ዝመፀ 2ይ ፀላኢ ድኽነት ንምቅባፅ ዝተፈላለዩ ስትራተጅታትን ፕሮግራማትን ልምዓት ገፀርን ከተማን ሓንፂፁ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝባን ህዝብና ዝተዳዕነነ ሕሱም ድኽነትን ድሕረትን ንኽናገፍ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንምምሕያሽ ዘብቅዑ ብዙሓት መደባት ህንፀት ዓቕሚ ተሓንፂፆም ትግባሮታት ጀሚሮም ይርከቡ፡፡ እዞም መደባት ብዓወት ንምትግባር ለውጢ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ከምዘድሊ ተኣሚኑሉ እናተተግበረ እዩ፡፡ ብፕሮግራማት ምምሕያሽ ስቪልሰርቪስ ዝጀመርናዮም መደባት ለውጢ ብፍላይ ምስ ምስፋን ሰናይ ምምሕዳር ዝተትሓሓዙ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንክኾኑ እስካብ ብርኪ ጣብያ ንኽትግበሩ ብርክት ዝበሉ ኣሰራርሓታት ተኣታትዮም ውፅኢታዊ ንክኾኑ’ውን  ስልጠናታት እናተውሃቡ 'ዮም፡፡

ቀንዲ መደባት ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ንኹሎም ፕሮግራማት ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ  ሰናይ ምምሕዳርን መሰረታዊ ለዉጢ ከይዲ ኣሰራርሓን ብዕምቆትን ግፍሓትን ምዕማም እዮም ፡፡ እዞም መደባት ኣብ ሽቶኦም ብምብፃሕ እቲ ሐዚ ቀንዲ ፀላኢና ዝኾነ ድኽነት ንምብታኽ ወሰንቲ ጉዳያት እዮም፡፡ እዚ ምስ እንገብር ድማ ምእንተእዙይ ክቡር ህይወቶም ዝኾፈልሉ ዕላማ ሰማእታትና ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ግቡእና ፈፂምና ክበሃል ይከኣል፡፡ እቲ ዝጎደለ ኣካልን ዝተኸፍለ መስዋእትን ኣመትኡ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዓሲሉ ህዝብና ብሰላም ክነብርን ተጠቃሚ ልምዓት ክኸውንን ስለዝነበረ እቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ብስፍሓትን ዕምቆትን ኣጠናኺርና ክነሰጉሞ ካብ ልቢ ዝነቐለ ተሳትፎ ኩላህና ይሓትት፡፡

ዛጊድ ዝረኸብናዮም ዓወታት ተዓቂቦምን ደሚቖምን ክቕፅሉ ኣብ ሕድሕድ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ መሸነፍቲ ኮይና ክንርከብ ግድን እዩ፡፡ ዝዓመምናዮም መደባትና በርቲዕና ብምፍፃም ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ምብታኽ ድኽነት ብዝዓዘዘ ናህሪ ክንፍፅም ይግበአና፡፡

በዓል ዓወት 17 ጉንቦት ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ብዝደመቐ ኩነት እናኽበርናዮ መፂእና ኢና፡፡ ለምዘበን ግና ምስ ኣብ ሽሕ ዓመት ሓደ እዋን ዝኽበር በዓል  ሚለንየም  ተዛሚዱ  ይኽበር ስለዘሎ ፍሉይ ይገብሮ ፡፡ ብምዃኑ ፍሉይ፣ ታሪኻዊ ጉዕዞታትና አጉሊህና ነቃለሓሉ ኣጋጣሚ ዝፈጥር እዩ፡፡ ኣብ ጅማሮ ዘሎዉ  ኣብ ምጥንኻር ዝዓዘዘ እጃም ኣለዎ፡፡  ዕላማታት ጉንቦት 20 ኣብ ሽትኦም ንምብፃሕ ኩላህና ከም ሓደ ኣካል ኮይንና ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ክንዓምም ይግበአና፡፡
                          
                                          ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!
                                                                                  
                                                        ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ክልልትግራይ

                                                          Tigrai Bureau of Capacity Building