|
“
ዘላቕነት ዘለዎ ዘበናዊ ሕርሻ ብምግፋሕ፣ ከባቢያዊ ሕውየት ዝተረጋገፀላን ድኽነት መሊኡ ዝጠፍአላን ትግራይ ምርኣይ'
”
ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ንምቅልጣፍ ዝሕግዙ ናይ ምርምር
ስራሕቲ ብምስራሕ፣ ኣብ ድልየትን ተሳትፎ ሓረስቶትን ዝተመስረተ ናይ ኤክስቴንሽን ግልጋሎት ብምግፋሕ፣ ሕ/ስ/ማሕበራት
ብምውዳብን ግልጋሎት ዕዳጋን ልቓሕን ብምሃብ፣ ከባቢ
ሓለዋን ኣጠቓቕማ መሬትን ክትግበር ብምግባር፣ ኣብ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ዝሳተፉ ሰብ ሃብቲን ዘይምንግስታዊ ትካላትን
ብምትሕብባርን ምድጋፍን፣ ምዕቡል ኣሰራርሓን ቴክኖሎጂን ብምትእትታው ቀረብ ፍርያት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብቀፃልነት ክዓቢ
ብምግባር ንምዕባለ ኢንዱስትሪ ምችው ባይታ ብምፍጣር ድኽነት ምጥፋእ ’ዩ::
ግቡእን ሓላፈነትን
§
ጠለብ እታዎታትን ልቓሕቲን መጥለቢ ቅጥዒን አዳሊኻ ምልኣኽ፣ ካብ ወረዳታት ዝመፀ ጠለብ ብእዋኑ ምጥርናፍ፣ ዝተጠርነፈ ጠለብ
ብዓነትትንን ልቓሕቲን እታዎታትን ብበዝሒ ብወረዳ ተፈልዩ ንክትሓዝ ምግባር::
§
ንቐረብ አታዎታትን ልቓሕን መደባት መፈፀሚ ዝኸወን በጀት ብምድላው ንክፍቀድ ዘድለ ፃዕሪ ይገበር እንትፍቀድ ንተግባራዊነቱ
ይንቀሳቀስ
§
ልቓሕ
ንክምለስ ደገፍ ምግባርን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲድካ ልቓሕቲ ንክምለስ ምፅዓርን
§
ዝተፈላለዩ ናይ እታዎታትን ልቓሕን ሕርሻ መምርሒታትን መሰልጠኒ ማንዋላት ምድላውን ስልጠናን ኦሬንተሽንን ምሃብ።
§
ካብ ገባራትን ማሕበራትን ዝእከቡ/ ንዝግዝኡ/ ም/ዘርኢታትን፣ ድቓለ ፀባ ከፍቲን በጋይትን ብደቐቕተን ኣናእሽተይን ትከላት
ብዘይ ጨረታ ንክስረሑ ዝተወሰኑ እታዎታት ኣግባብ ኣፈፃፅማኦም ንፁር መምርሒ ኣዳሊዩ የውርድ፣ብክልል ዝማላእን በቲ ወረዳ
ዝተሓተቱን ኩሎም ብ እዋኑ ክልኣኽ ይገበር ንተግባራዊነቱ ክትትል ይገብር::
|