|
ትግራይ እትርከበሉ ኣብ ሰሜን
ኢትዮጵያ ኮይና
ዘዋሰንኣ ሱዳን፣
ኤርትራ፣ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን እየን::
እትርከበሉ ድማ ኣብ 12o 13 ክሳብ
14o 54 ሰሜን ላቲትዩድ ኮይና ካብ 36o 27 ክሳብ 40o
18 ምብራቕ ሎንግቲትዩድ እዩ:: ማይ ዝወቕዐሉ ካብ 200 ሚ.ሜ ዝተሓተ ኣብ ምብራቕ ካብ 1900 ሚ.ሜ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ
ይበፅሕ:: ትግራይ ኣብ 1998 ዓ.ም ከም ዝተገመተ በዝሒ ህዝባ 4335000 ኮይኑ ካብዚኦም 782000 መራሕቲ ስድራ
እንትኾኑ 816000 ኣብ ከተማ እንትነብሩ 3519000 ድማ ኣብ ገጠር ይነብሩ::
ናይ ትግራይ ኢኮኖሚ ኣብ ሕርሻ ዝተደረኸ
እንትኾን 43.6% ናይቲ ጠቕላላ ዶመስቲክ ምህርቲ እዩ:: ካብዚ 65% ዘራእቲ እንትሕዝ 10% ናይ በረኻ እንስሳ እንትኾን
25% ድማ ካብ ናይ እንስሳ ውፅኢት ዝርከብ እዩ::
እቲ
ናይ ኣወዳድባ ኣቀማምጣ ቢሮ ሕርሻ ካብተን ኣለዋ ዝበሃላ ዓበይቲ ቢሮታት ትግራይ ሓደ ኮይኑ እቲ ዋና ስርሑ ግና ናይ ሕርሻ
ምህርቲ ንምድንፋዕ ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ኮይኑ ኣትኲሩ ዝሰርሐሎም ምንቕስቓሳት ድማ ማይን ሓመድን ዕቀባ፣ ኣጠቓቕማ መሬት፣
ናይ እንስሳታትን ኣግራብን፣ ናይ ዝራእትታትን ተኽልታትን ሕማማት ምክልኻል፣ ሓረስቶት ብሕብረት ስራሕ ብምውዳብ ዝሓሸ ውፅኢት
ንምርካብ ሓገዝ ትምህርቲ ምሃብን ቅድመ መጠንቀቕታትን ስርዓት ምስንዳውን እዩ::
|