TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



   
 

ገምጋም ፍርቂ ዓመት መደብ ቢሮ ህንፀት ዓቕምን ወረዳታትን ተኻይዱ

ኩለን ኣብያተ ፅሕፈት ህንፀት ዓቕሚ ወረዳታት ዝተረኸባሉ ከይዲ ሕሉፍ ሽድሽተ ወርሒ ምንቅስቓሰን 16 ጥሪ 2000 ዓም ጀሚረን ንኣርባዕተ መዓልቲ ገምጋምን

img1ትልሚ ቀፃሊ 6 ወርሕን ኣካይደን፡፡ እቲ ኣኼባ ብሓላፊ ቢሮ ህንፀት ዓቅሚ  መብርሂ ምስተዉሃበ ሕድሕድ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተመደበሎም ግዘ ዝነበርዎም መደባትን ዝርዝር ኣፈፃፅመኦምን ኣቐሪቦም፡፡ መጀመርታ ኣይተ        ሃ ማርያም ኣለምሰገድ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ፕሮግራም ምምሕያሽ ስርዓት ፍትሕን መበገሲ ገምጋም መደብ ኣቕሪቦም፡፡ ብሕድሕድ ወረዳ ዝተተግበረ መደብ ሰናይ ምምሕዳር  

እንታይ ከምዝመስልን ከይዲ ዕምቆቱን ብስፍሓት ተራእዩ፡፡ ኣብዚ መደብ ብሓፈሻ  ንዳርጋ ልዕሊ 660ሽሕ ኣካላት ሕብረተሰብ ስልጠና ከምዝተውሃበ ተገሊፁ እዮም፡፡ ኣብ ማሕበራዉን ምምሕዳራዉን ዘሎ ፀገም ኣነፃፂሩ ስልጠናታት ከምዝተዉሃቡ ኮይኑ ግና ኩነታት ኣፈፃፅማ ሓላፍ ዘላፍ ከምዘለዎ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ዝተርኣዩ ጥንኩርን ድኹምን ጎኒታት ተላዒሎም ብስፍሓት ተሳተፍቲ ዘትየምሎም እዮም፡፡

ኣብ ፓኬጃት ሰናይ ምምሕዳር ሞዴል ገባር ኣብ ምምራፅን ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ዝነበሩ መደባትን ኣፈፃፅመኦምን ዝርዝር መብርሂ ምስቀረበ ሕድሕድ ወረዳ ኣብዚ  ዘለዎ ርኢቶን መብርህን ሂቡ እዩ፡፡ ኣብ ኩለን ወረዳታት ኣብ ሞዴል ገባር ኣመልኪቱ  ንሓረስቶት ስልጠና ዝተዉሃበ እንትኾን ኣብዚ ዝተርኣየ ፀገም ካብቲ ሕብረተሰብ ኩነታት ተፀባይነት አዩ፡፡ኣብ ኣካላት ኣመሓደርቲ ኮኑ ኣካላት ፍትሒ ካብ ላዕሊ እካብ ታሕቲ ዘሎ መሓውር ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ሰናይ መምሕዳር መንግስቲ ዘቐመጦም ስትራተጂ በዘፈፅም መንገዲ ተግበራዊ ክኾኑ ከምዘለዎም እዩ ተሓቢሩ፡፡ ዝተፈፀሙ መደባት ኩሎም ካብ ሓደ ወረዳ ኣብ ካሊእ ወረዳ ኣፈላላይ እንተሃለወ’ውን መርኣያ ዝኾኑ ስራሕቲ ከምእተሰርሑ፣ ኮይኑ ግና ብግቡእ ዘይተሰርሑን ኣብቲ ባይታ ንኸይትግበሩ ማሕለኻ ዝኾኑን ግዘ ከይሃብካ ክፍትሑ ከምዘለዎም  ርኢቶ ተዋሂቡ እዩ፡፡

ኣበየናይ ብግቡእ ተሰሪሑ ኣበየናይከ ጉድለታት ኣሎ? ሕድሕድ ተሳተፍቲ ኣካላት ብዘቕረብዎም ሓሳባት መሰረት ብምግባር መብርህን ርኢቶን ተዋሂቡ እዩ፡፡ ሰናይ ምምሕዳር ሓደ ኣካል ጥራሕ ተግቢሩ ኣብ ሽትኡ ዘብፀሖ ኣይኮነን፣ እዚ ተሳትፎ ኩሉ ኣካል ዝሓትትን ኩሎም ዘፈራት ኣብ ግምት ዘእቱን እዩ፡፡ እጃም ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ምስ እስካብ ታሕቲ ዘሎ መሓውሩ ከመይ ክሳተፍ ከምዘለዎ ኣብ ማንደት እቲ ቢሮ ዝተቐመጠ ብምኻኑ እዚ ኣጠናኺርና ክንትግብር ከምዝግባአና እዩ፡፡

ኣስዒቦም ገምጋም መደባት ፍርቂ ዓመት ዘቕረቡ ኣይተ ኣብርሃ ሃይሉ እንትኮኑ ኣብ ፕሮግራም ምምሕያሽ ስቪል ሰርቪስ ካብ ክልል እስካብ ብርኪ ወረዳ እንታይ ከምዝመስል፣ ወረዳታት እውን ብፀብፃብ ኣቢለን ዝገለፀኦ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ፕሮግራም ምምሕያሽ ስቪል ሰርቪስ ዝተግበሮም ስራሕቲ ኣብ ዉፅኢት ተኮር፣ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ኣጠቓቕማ ሓበርቲ ፅሑፋትን ዘሎ ኩነታት ብዝርዝር ቀሪቡ፡፡ ኣብ ሕድሕድ እዞም መደባት ኣፈፃፅመኦምን ዝተርኣዩ ጎደሎታትን ብዕምቆት ቀሪቦም፡፡ ተሳተፍቲ ኣካላት እውን መምስከባቢኦም ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብምግንዛብ መብርሂ ሂቦም እዮም፡፡ ኣብ መብዛሕተአን አብያተ ፅሕፈትን ቢሮታትን ፕሮግራማት ምምሕያሽ ስቪል ሰርቪስ ጨቢጥካ ኣብ ምኻድ ፀገም ከምዘሎ እዩ ተገሊፁ፡፡ እዞም ፕሮግራማት ምምሕያሽ ስቪል ሰርቪስ ከይተግበርካ ድማ ሰናይ ምምሕዳር ክስፍን ኢልካ ምሕሳብ ፈፂሙ ክኸከውን ዘይኽእል ሓሳብ ከምዝኾነ እዩ ተገሊፁ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮግራም ለዉጢ ምዃኑ ኣሚንና ብስፍሓትን ብፅፈትን ክንትግብር ከምዝግባእ ኣብ ኣብቲ ዝግበር ለዉጢ ተቐቢሉ ዘይሰርሕ ወይ ከልግስ ኣለዎ ወይ ኣሚኑ ተግባራዊ ክገብር አለዎ፡፡

ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ካልኦት መደባት ህንፀት ዓቅሚ ኣብ ኣይሲቲ፣ ኣብ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ዝርዝር ዝተተሓዙ ሽቶታትን ዝርዝር ኣፈፃፅማን በስፍሓት ቀሪቦም እዮም፡፡ ተሳተፈቲ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ከባቢኦም ኣተሓሒዞም መበርሕን ኣብ መምርሕታትን ኣብ ኣፈፃፅማ እዞም መደባትን ሕቶታት ኣቅሪቦም እዮም፡፡ ኣብ ከይዲ ኣሰራርሓዘፀገምዎም ነገራት ብቕልጡፍ መፍትሒ ክግበረሎም ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡

ድሕሪ ዚ ኦረንተሽን መደባት ቀፃሊ መንፈቕ ዓመት ቀሪቦም ኣብዚ’ውን ዓሚቕ ዘተ ተኻይዱ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዓመት ዝተዓዘብናዮም ድኹም ጎኒታት ኣስተኻኺልና ዝተቐመጡ ሽቶታት ብግቡእ ክፍፀሙ ኩሉ ኣካል ሰራሕተኛ መንግስቲ ብንጥፈት ክሰርሕ ከምዘለዎ ብምሕባር እቲ አኼባ ተዛዚሙ፡፡

 

I