TIGRAI BUREAU OF CAPACITY BUILDING
 
Programs

CSRP
DLDP
ICT
JSRP
TAX
URBAN
Program support Expenditure Managment

Links  
 
About Tigrai

Toursim
Investment
Economy

*     *     *     *     *    *  



 
 

 

ንኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ወረዳታትን ዞባን - ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ እንታይነት ዝተኣታቶ ዘሎ መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ዘተኮረ ስልጠና መዕበዩ ዓቕሚ ተዋሂቡ፡፡
ስራሕቲ ብከይዲ ዋሕዞም ብምስራዕ ንተገልገልቲ ብግዜ፣ ወፃእን ፅርየትን ዝበለፀ ግልጋሎት ንምሃብን ምስ ነባራዊ ዓለማዊ ኩነታት ንምጉዓዝን ብምዕላም መንግስቲ ኣብ መሓውሩ  ሓዱሽን ዘበናውን ኣሰራርሓ ማለት መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ (BPR) ክተኣታቶ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ ቢሮታት ክልል ትግራይ ኣብ ግብራዊ ምንቅስቓስ ከምዝርከባ ዝፍለጥ’ዩ፡፡
ኣብ ምትእትታው BPR ግደ ኩሉ ሰራሕተኛ ኣገዳሲ ኮይኑ እቲ ስራሕ ብዝተትሓዘሉ ዕላማ፣ መንፈስ፣ ኣገባብን ግዜን ንክሳለጥ ድማ ብፍላይ እጃም ላዕለዎት ኣመራርሓ ወሳኒ ስለዝኾነ ነዚኦም ስልጠና መዕበዩ ግንዛበ ምሃብ ጠቓሚ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 240 ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ወዳታትን ዞባን-ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ እንታይነት፣ ኣድላይነትን፣ ረብሓን መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕን (BPR) ንትግባርኡ ዘድሊ ድልውነትን ቆራፅነትን ዝጠመተ ስልጠና መዕበዩ ግንዛበ ካብ 27-28 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣላማጣ ሂቡ’ሎ፡፡
ኣብቲ ዝተውሃበ ስልጠና መዕበዩ ግንዛበ ካብ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝቐረቡ እንትኾን ንገሊኦም ንምጥቃስ

  • BPR ንምንታይ ኣድልዩ?
  • BPR ንምትግባር ድልውነት፣ ዓቕምን ብቕዓትን ኣሎ ድዩ?
  • BPR ብምትእትታው ዘጋጥም ንከያ ሰራሕተኛታት እንተልዩ ዕድሎም እንታይ’ዩ ክኸውን
  • BPR ብምትእትታው እንረኽቦ ውፅኢት ናይ እማን ተፀኒዑ ድዩ? ወዘተ
ነዚኦምን ምስዚ’ኦም ንዝተኣሳሰሩን ሕቶታት ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ክልል ትግራይ ኣይተ ኪሮስ ቢተው ብቑዕ ምላሽ ዝሃብሎም እንትኾኑ ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን BPR ብዝምልከት ኣገዳሲ ግንዛበ ከምዝሓዙ ብምግላፅ ኣብዚ መዳይ ዘለው ጉጉይ ኣረዳድኣ ኣብ ምስትኽኻልን ንለውጢ ድልው ዝኾነ ባይታ ኣብ ምፍጣርን እጃሞም ከምዘበርክቱ ኣረጋጊፆም፡፡